ለኣኸና (ጸሎት)  Send Us (Prayer)

Artist: Congress MusicFactory
Produced By: Congress MusicFactory
Album: ትግርኛ  We Worship You

ንስኻ ናተይ ሰንበት ኢኻ። ንስኻ ዕረፍተይ ኢኻ። ንስኻ መዛዘሚ ጉዕዞይ ኢኻ። ስለዚ ሓይልኻ ሃበና ብርታዔኻ ሃበና። ኣብዚ ግዜ እንሓተካ ነገር ክትልእኸና ጥራይ እዩ። ለኣኸና። ለኣኸና።

ሕጂ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ኣይኮነን። ለኣኸና። እዚ ናይ ናህሪ ግዜ እዩ። ለኣኸና ዎ እግዚአብሄር። እንሓተካ ነገር እንተልዩ ክትልእኸና ጥራይ እዩ። ሕቶና ንኸነዕርፍ ኣይኮነን፣ ከመይሲ ዕረፍቲ ንስኻ ምስመጻእካ እዩ ዝመጽእ። ኣውያትና ኩሉ ፈቓድካ ክንፍጽም ክትልእኸና እዩ። ለኣኸና።

ንቕድሚት ለኣኸና። ብሓድሽ መንገዲ ለኣኸና። ከም ሓደ ኣካል ጌርካ ለኣኸና። ብማዕርነት ንቕድሚት ለኣኸና። ኣብ ቅድሜና ንዘሎ ዘመን ድልዋት ጌርካ ለኣኸና። ብርሃንን ምስትውዓልን፣ ብፍልጠት ብሓይሊ ንቕድሚት ለኣኸና። ብትኽክልነት ንቕድሚት ለኣኸና። ብቕድስናን ንእግዚኣብሄር እተፈልየ ኣቅሓ፣ ኣብ ውሽጢ ልብና ብንጽህና ንቕድሚት ለኣኸና።

ካብ ሓጥያት ናጻ ጌርካ ለኣኸና፣ ካብ መንገዲ ከየልገስና ንቕድሚት ለኣኸና። ንጹህን ቕዱስን ጌርካ ለኣኸና። ዎ ለኣኸና። ንቕድሚት ለኣኸና። በቲ ዓቢ ሓይልኻ ናብ መጻኢ ግዜ ስደደና።

ነፍስወከፍ ኣብዚ ስፍራ ዘለው ሰብኣይን ሰበይትን ልቦም ኣዳሉ። ንልብና ብኣጽዋር ሰላምካ ኣዕጥቆ። ብሓጎስ ለኣኸና። እቲ ዕዮ ዝፍጸም ይኹን፣ ዘዕግብ ይኹን። እቲ ዓቢ ዕዮ ኣብ ውሽጢ ልብና ዕግበት የፍርይ ኣብዚሑ ንዓኻ ዝሃርፍ ይኹን። እዚኤን እየን ልማኖና። እዚኤን ኣውያት ልብና እየን። እዚኣተን እየን እተን ኣዝየን ኣገደስቲ ነገራት ናባኻ ክብ ኣቢልና ነቕርበን።

ንድምጺ ጸሎትና ስማዕ። ንኣውያት ህዝብኻ ጽን በሎ።

ከም ፍቓድካ ጸሊና ኣሎና፣ ደድሕሪ ኣብነት ጎይታና ብምስዓብ።

ተመስገን ዎ እግዚኣብሄር። ተመስገን ዎ እግዚኣብሄር። ተመስገን ጎይታ። ተመስገን የሱስ።