መገድና (ጸሎት)  The Path (Prayer)

Artist: Congress MusicFactory
Produced By: Congress MusicFactory
Album: ትግርኛ  We Worship You

ከምኡውን ክትሰምዑ ኢኹም ከምዚ ኢሉ፥ ብድሕሬኹም ከምዚ ዝብል ድምጺ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ”። እዚ ድምጺ እዚ ኣብ ኣባይትናን ኣብ ሓዳርናን ይኹን። ኩሎም ኣሰብኡት ነዚ ድምጺ ክሰምዕዎ እደሊ እየ። ድምጺ ብድሕሬኹም ከምዚ እንዳበለ ዝመርሓኩም “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ”

ነዚ ድምጺ እዚ እስምዓዮ ኣብ ህይወተይ ኣብ ኩሉ ኣንጎሎታትን ኣብ ምንዳይን ናባኻ እንዳመጻእኩ ከለኹ። ንዝኾነ ሰብ ምርሒት ኣብ ዘየለወሉ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ”። ንጹር ድምጺ ኣምላኽ ንሰምዕ ኢና፣ ንጹር፣ ትኽክለኛ፣ ብርሃን ኣብ ዘለዎ ወቕቲ። ከምዚ ድማ ንብል ዎ ኣምላኽ ኣዝዩ ትኩር ይኹን ኣብ ልብና ድማ ንጹር ይኹን። ብንጹርን ብሓይልን ከነለሊ ክእለት ሃበና፤ ኣብ መንጎ እቲ ናይ እግዚኣብሄር ዝኾነን ናይ እግዚኣብሄር ዘይኮነን ክንፈሊ፣ ነቲ ጽድቂ ዝኾነ ካብቲ ጽዩፍን ዘይቅዱስን ዝኾነ፡ ነቲ ካብ ሓቂ ዝኾነ ነቲ ካብ ሓሶት ዝኾነ ክንፈሊ። ብድሕሬና ኮይኑ ከምዚ ዝብል ድምጺ ክንሰምዕ ደርኸና “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ”።

ካብ ሰማይ ሓባሪ ኣንፈት ሃበና ንጹር መለኮታዊ ምርሒት ካብቲ ልዑል ናይ ስልጣን ቦታ ሃበና። ካብቲ ኣብዚ ፕላነት ዘሎ ድንግርግር ልዒሉ ዝበረኸ፡ ካብቲ ሓሶቱን ፍልስፍናኡን ልዒሉ ዝበረኸ፡ ካብቲ ጽያፍን ርኽሰትን ልዒሉ ዝበረኸ፡ “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ” ካብዚ ህሞት እዚ ተበጊሱ ክሳብ ፍጻመ ግዜ፡ ኣብ ኩሉ ኩነታት በቲ ብርቱዕ ሓይልኻ ከተምጽእ በቲ ምዱብ ሓይልኻ ናብ ምድሪ ከተምጽእ ኢኻ። ኣብ ማእከል እዚ ግና፡ ብቐጥታ ናብ ዙፋንካ ኣቢሉ ዝመርሕ ዘንጸባርቕ መገዲ ጽረገልና።

ኣብ ልብና ነዚ ድምጺ ኣብ ንሰምዓሉ ግዜ ኣእጋርና ኣብኡ ክንረግጽ እምነት ሃበና። “እዚኣ እያ እታ መገዲ፡ ብእኣ ተመላለሱ” ብእኣ ተመላለሱ፡ ብእኣ ተመላለሱ”