መገድና  The Path

Artist: Congress MusicFactory
Produced By: Congress MusicFactory
Album: ትግርኛ  We Worship You

[ፍቕዲ 1]

ነቲ ሕሉፍ ኣይንዝክሮን
ማንም ብዘይከዶ መገዲ ይመርሓና’ሎ
ይረአ ኣብ ንፋስ ኣሰሩ
ነስተውዕሎ!
ጎይታ ሓድሽ ነገር ምግባሩ

[ቅድመ ተደጋጋሚ1]

ፍረ ኣልቦ ልቢ
ዘትረፍርፍ ኮይኑ’ሎ
መገዲ ምልኣት ናይ ፍቓዱ
ሕጂ ግልጺ ኮይኑ’ሎ

መዕቆቢ ተረኺቡ
ሓድሽ ጸጋ ይፈስስ ኣሎ
ተልእኾ ናይ እግዚኣብሄር ንምፍጻም
ዘኽእል ሓይልን ጥበብን

[ቅድመ ተደጋጋሚ 2]

ድምጽኻ ናብ ምድሪ ለኣኽ – ዎ ኣምላኽ
ጸውዕ ሕሩያትካ
ሓቢርና ክንትስእ ክንበርህ ኢና
ብርሃንና መጺኡ ብዓኻ

[ተደጋጋሚ]

ምድሪ ጸልማት መሊእዋ’ሎ
የለን ዘስተውዓሎ
በቲ ልቢ ሰባት ዘናውጽ
ኩነታት ተኸቢብና ኣሎና

ኣብ ማእከል ጠቢባን ደው ንብል
ምስቶም ዝተንስኡ
ኣዒንቲ ህዝብታት ክንከፍት
መንገድኻ ክፈልጡ

[ይውድእ]

ነቲ ሕሉፍ ኣይንዝክሮን
ማንም ብዘይከዶ መገዲ ይመርሓና’ሎ
የረጋግጸልና ህላውነቱ
በዚ መገዲ ከምዝኸዱ ኣዝዮም ብዙሓት