ስምካ ንባርኾ (ጸሎት) We Praise Your Name (Prayer)

Artist: Congress MusicFactory
Produced By: Congress MusicFactory
Album: ትግርኛ  We Worship You

ዎ! ኣቦ በዚ መዓልቲ’ዚ ንባርኸካ ኣለና’’ ልዕል ነብለካ ኣለና። ከማኻ ዝበለ ኣምላኽ የልቦን። ከማኻ ዝበለ መድሓኒ የልቦን፣ ከማኻ ተበጃዊ የልቦን። ከማኻ ዝበለ ንጉስ የልቦን። ከማኻ ዝበለ ጎይታ የልቦን። ኣዒንተይ ናባኻ ኣቢለ ኤልዕል ብተስፋ፣ ብሓጎስ፣ ብምድናቕን ብምስጋናን። አምልኸካ ኣለኹ።

አኽብረካ ኣለኹ። ክብ አብለካ ኣለኹ። ልዕል አብለካ ኣለኹ። ንስኻ ብቑዕ ኢኻ። ንስኻ በይንኻ ምስጋናይ ክትቅበል ብቑዕ ኢኻ። መስዋእቲ ምስጋናይ አቕርበልካ፡ ኣምላኸይ፣ ፈጣሪየይ፣ ንጉሰይ፣ ጎይታይ፣ ኣምላኸይ፣ መድሓንየይ። እባርኸካ ኣለኹ። ኩሉ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ዘበለ ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።