ቅዱስ ቅዱስ (ጸሎት)  Holy, Holy

Artist: Congress MusicFactory
Produced By: Congress MusicFactory
Album: ትግርኛ  We Worship You

[ተደጋጋሚ]

ቅዱስ ቅዱስ: ቅዱስ ኢኻ እግዚኣብሄር
ቅዱስ ቅዱስ: ቅዱስ ኢኻ እግዚኣብሄር

[ፍቕዲ 1]

ዎ ጎይታ ኣብ ቅድሜኻ ንቐውም
ብሓይልን ስልጣንን ዝደኮንካና ህዝቢ
ኣእዳውና ነልዕል ናብቲ በይኑ ዝገዝእ
ንዘልኣለም ኣለም

[ፍቕዲ 2]

ዘርእኻ ኣብ ውሽጥና ኣንቢርካዮ
ክቡር መዝገብካ ክንዕቅቦ ኢና
ፍርሃትካ ኣብ ልብና ክነብር እዩ
ንዘልዓለም ኣለም

[ጸሎት]

እባርኸካ ኣለኹ። ነቲ ቅዱስ ባህሪኻ እባርኾ ኣለኹ። ንቕዱስ ስምካ እባርኾ ኣለኹ። ድምጸይ ካብ ምድሪ ዓው ኣቢለ እባርኸካ ኣለኹ። እባርኸካ ኣለኹ ኣብ ግዜ ኮይነ፣ ናብ ዘልኣለማውነት እናቕናዕኩ። ኣብ መዋትነት ኮይነ ድምጸይ ዓው ኣቢለ ነቲ ዘልኣለማዊ ህላውነትካ እባርኾ ኣለኹ። ለውሃትካ እባርኾ ኣለኹ። እባርኸካ ኣለኹ።

ዎ ነፍሰየ ንእግዚኣብሄር ባርኺ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ ኩሉውን ንቕዱስ ስሙ ይባርኽ።