ነምልኸካ ኣሎና (ጸሎት)  We Worship You

Artist: Congress MusicFactory
Produced By: Congress MusicFactory
Album: ትግርኛ  We Worship You

ነምልኸካ ኣሎና፡ ንባርኸካ ኣሎና ንስምካ ልዕል ነብሎ ኣለና። ኣእዳውና ነልዕል ከምቲ ጥንታውያን ኣቦታትና ቀደም ዝገበርዎ። ነተን ዝተቐደሳ ኣእዳዎም ናብ ልዑል ኣምላኽ ኣቢሎም ኣልዒሎም ከምቲ ሓወይ ኣንባቆም ቅድሚ ብዙሕ ብዙሕ ብዙሕ ዓመታት ዝበሎ

“ባህ ክብል፡ እልል ክብል እየ። ንስኻ ልዑል ኣምላኽ፣ ሓይለይ ኢኻ።” ንስኻ ንሓወይ ሓይሉ ኢኻ። “ኣእጋረይ ከም ናይ እራብ ትገብረን። ተበርትዓኒ፡ ኣብቲ በሪኽ ቦታውን ተመላልሰኒ።”

ስለዚ ካብዚ ግዜ’ዚ ጀሚርና ንቕድሚት ንስጉም፣ ኣዒንትና ነልዕል፣ ተንሲእና ድማ ብናትካ ክብሪ ንመላለስ ንቕዱስ ስምካ ድማ ንባርኾ።

ስለ ቃልካ ተመስገን፡ ስለዝመሃርካና ተመስገን፣ ስለ ዝመዓድካና ተመስገን። ቃል ኣምላኽ ኣብቲ ልሙዕ ግራት ናይ ልብና ይውደቕ፡ ሱር ሰዲዱ ድማ ፍረ የፍሪ ኣብ ኩሎም ኣሕዋተይ፡ ኩሎም ቅዱሳንካ ድማ ሰላሳ ካዕበት፡ ሱሳ ካዕበት ሚእቲ ካዕበት ኣብ ነገራት እግዚኣብሄር የፍርዩ።

ተመስገን ዎ እግዚኣብሄር። ንባርኸካ። ኣሜን። ኣሜን።

[ተደጋጋሚ]

ንባርኾ ንስምካ
ክብሪ ንህበካ
ግኑን ኢኻ ንዘልኣለም

ሉኣላዊ ኣምላኽና ሓይልና ኢኻ
ነምልኸካ ዘልኣለም