ንዘልኣለም  Forever

Artist: Congress MusicFactory
Produced By: Congress MusicFactory
Album: ትግርኛ  We Worship You

[ፍቕዲ 1]

ንስኻ ሓይለይ
ጽኑዕ ዋልታይ
ትምክሕተይ ኢኻ
እምንቶይ ኣባኻ’ዩ
ሓጎስ ልበይ፡ መዕቆብየይ

[ተደጋጋሚ 1]

ንዘልኣለም ልዕል በል ጎይታ
አምልኸካ አምልኸካ
ልዕል የብለካ ጎይታ
አምልኸካ አምልኸካ

[ፍቕዲ 2]

ሓቀይ ኢኻ
መራሒ መገደይ
ኩሉ ኸኣሊ
ነፍሰይ ትፈትወካ
እባርኸካን አኽብረካን

[ተደጋጋሚ 2]

የዕብየካ ጎይታ
አምልኸካ አምልኸካ
ልዕል የብለካ ጎይታ
አምልኸካ አምልኸካ

[ጸሎት]

ዝበዝሑ እንገብሮም ነገራት ጠጠው ክብሉ እዮም። ኣምልኾኹም ግና ንዘልኣለም ክቕጽል እዩ። ኣሜን? ንሕና ግና ንዘልኣለም ንጎይታ ከነምልኾ ኢና። ከተምልኹ ከለኹም፡ ዘልኣለማዊ ባህሪ ትለማመዱ ኣለኹም። ንኣእምሮና ዝሓዝዎም ነገራት ኩሎም ከቋርጹ እዮም ኣምልኾኹም ግና ንዘልኣለም ክቕጽል እዩ። ኣሜን? ወትሩ ክሳብ ዘልኣለም ንልብና ናብኡ ከነልዕል ኢና ንዘልኣለም። ንእግዚኣብሄር ከተምልኽዎ ከለኹም ከምዚ ትብሉ “እወ፡ ንምድሪ እኽሕዶ ኣለኹ። ንግዜ እኽሕዶ ኣለኹ። ንሞት እኽሕዶ ኣለኹ። ንመዋትነት እኽሕዶ ኣለኹ። ከም ሰብ ዝተለማመድክዎም ሓደሓደ ነገራት ድሮ ኣብ ተመኩሮኹም ዘልኣለማዊ ባህርያት ኮይኖም እዮም። ኣምልኾኹምውን ንዘልኣለም ክቕጽል እዩ።”

[ተደጋጋሚ 3]

ንዘልኣለም ልዕል በል ጎይታ
ነምልኸካ ነምልኸካ
ልዕል የብለካ ጎይታ
ነምልኸካ ነምልኸካ

[ተደጋጋሚ 4]

ነዕብየካ ጎይታ
ነምልኸካ ነምልኸካ
ልዕል ነብለካ ጎይታ
ነድንቐካ ነድንቐካ