ኣእዳወይ አልዕል(ጸሎት)  I Lift My Hands To You (Prayer)

Artist: Congress MusicFactory
Produced By: Congress MusicFactory
Album: ትግርኛ  We Worship You

እስከ ዝተቐደሳ ኣእዳውና ናብ ጎይታ ኣቢልና ነልዕል። ኣሜን? ስለዚ ኣቦ ኣእዳውና ናባኻ ኣቢልና ነልዕል ኣሎና። ነፍስወከፍና ኣብ ጎነይ ዘሎ ሓወይ ኣእዳዉ የልዕል ኣሎ፤ ሓፍተይውን ኣእዳዋ ተልዕል ኣላ። ነዚ ነዊሕ መስመር ናይ ጽባቐ፣ ብሉጽነት፣ ምእዛዝን እሓስብ ኣለኹ። ጽባቐ ናይ ምእዛዝ ናብዚ ስፍራ እዚ ዘምጽኣና። ኣእዳወይ ኣልዒለ ነቶም ቅድሜና ዝኸዱ ህይወቶም ዝሃቡ ኣሕዋተይን ኣሓተይን እሓስብ ኣለኹ፣ ንነድሪ ጸላኢ ገጢሞም ህይወቶም ወፍዮም ደሞም ዘፍሰሱ፣ ነዚ ሎሚ ንጓዓዘሉ ዘሎና ብርሃን መገዲ ዝፈጠሩ። ኣእዳወይ ከልዕል ከለኹ እዝክሮም ኣለኹ። እንታይ ከምዝቐረጸኒ እዝክር ኣለኹ፤ ነዚ ሕጂ ኮይነዮ ዘለኹ። እተን ቃላት፣ እቲ ኣውያትን እቲ ቆራጽ ውሳነን፣ እቲ መስዋእትነትን እቲ ምእዛዝን፣ ዓሰርተታት ዓመታት ድሕሪ ዓመታት፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ፣ ነዚ ሕጂ ደው ኢልናሉ ዘሎና ጎደና ዝፈጠረ እዝክር ኣለኹ:: ኣነ ኸኣ ንዓኻ አመስግነካ ኣለኹ ዘይትቕየር ስለ ምዃንካን ስለ እሙንነትካን።

ኣነ ኸኣ ንዓኻ አመስግነካ ኣለኹ፣ ዘይትቕየር ስለ ምዃንካን ስለ እሙንነትካን። ዘለካ ጽኑዕ ውሳነን ክትሃንጽ ናባና ክትውሕዝ ከተተባብዓናን መንፈስካ ምልኣኽካን ናብ ንልቢ ሰባ ነማስወካ ኢና። ነመስግነካ ኢና ከመይሲ ህይወት ሂብካና ኢኻ። ነመስግነካ ኢና ምኽንያቱ ልብና ተንሲኡ ስለዝዘመረ። ነመስግነካ ኢና ከመይሲ ኣብ መንጎ ኣሕዋተይ ኮፍ ኢለ፣ ናብ ኣእምሮይን ናብ ነፍሰይን ናብ መንፈሰይን ብርሃን መጺኡ ኣሎ። ንድሃይ ድምጺ መራሕተይ ምስማዕ። በቃ ንምርሒት መንፈስ ቅዱስ ምስማዕን ኣተኲረ ንገጽ ኣምላኽ ምጥማትን። ክንደይ ኣዝዩ ዓሚቝ እዩ ግርማ ዘለዎን ጽቡቕን እዩ። ንዓኻ ምጥማተይ ጥራይ እኳ ዝበለጸ ሰብ ይገብረኒ። በቃ ናባኻ ምጥማት ጥራይ ኣቦ፣ በቃ ንልብኻ ምርኣይ ጥራይ፣ ዝበለጸ ሰብ ይገብረኒ፣ ብሉጽ ሰብ ይገብረኒ እዩ ስለዚ አመስግነካ ኣለኹ።

ተመስገን ስለዝሓሎኻኒ፡ ተመስገን ስለዝመራሕካኒ፡ ተመስገን ኢድካ ኣብ ልዕለይ ስለዘንበርካ። ተመስገን ህይወት ስለዝሃብካኒ፡ ተመስገን እንዳተዓገስካ ስለዝመሃርካኒ። ተመስገን ካብ ዕሽነት ኣውጺኻ ናብ ጥበብ ኣቢልካ ስለዝመራሕካኒ። ተመስገን ካብ ድኻም ኣውጺእካ ሓይሊ ስለዝሃብካኒ። ተመስገን ንምጥርጣረይ ኣሊኻ እምነት ስለዝሃብካኒ። ተመስገን ካብ ሞት ኣውጺእካ ነዚ ኣዝዩ ዝተትረፍረፈ ህይወት ስለዝሃብካኒ። ካብ ጽምዋ ኣውጺእካ ኣብ ማእከል ፍጹም ዘደንቕ ሕብረት ስለዘንበርካኒ አመስግነካ። ካብ ምኹብላል ኣውጺእካ ጉዕዞ ስለዝሃብካኒ ኤመስግነካ። ኤመስግነካ ኣለኹ። ኤመስግነካ ኣለኹ፣ ኦ ጎይታ! ተመስገን፣ ስለዝፈጠርካኒ። ተመስገን ህይወት ስለዝሃብካኒ። ተመስገን ስለዝሾምካኒ። ተመስገን ልኡኽ ዝለዝሃብካኒ። ተመስገን ስለዝመረጽካኒ። ተመስገን ስለዝመራሕካኒ። ተመስገን! ተመስገን! ተመስገን! ተመስገን! ተመስገን ስለ ነፍስወከፍ ውግእ። ተመስገን ስለ ኩሉ ዓወት፣ ተመስገን ስለ ኩሉ ፈተና። ተመስገን ስለ’ቲ ጽንኩር ቦታ። ተመስገን ስለ እቲ ቀሊል ቦታ። ተመስገን ስለ ኩሉ ነገር፣ ነፍስወከፍ ህሞት፣ ኩሉ ግዜያት፣ ኩሉ ስፍራታት፣ እቲ ሓያል ኢድካ ንህይወተይ ዝተንከፎ ቦታ ኩሉ። ተመስገን እብል ኣለኹ! ተመስገን ዎ እግዚአብሄር! ተመስገን።